Skip to content
Lyric
Dive
Public playlists
My playlists
Search
Sign in
Fewsi Lbi
Wedi Tikabo
Popularity · Low
+
🇪🇹 Amharic · Original
0
0
Listen
YouTube
1
2
3
0:00 / 0:00
Loading YouTube player...
Lyrics offset
Synced
Lyrics
Original
Translation
Bilingual
ሰሪ ፍቕሪ ምሒር ተሻቒለ
ዘርጊ ዓዲ ሽመይ ተበለለ
ነዛ ልበይ ኣብ ርእሰይ ሰቒለ
ሰብ ኮይነ ነብሰይ ቦቒለ
ዓሻ መሰል ልቡ ዝኸበዶ
ሕሱም ፍቕሪ ጅማቱ ዘንደዶ
ሽኩሽኳ እግሩ ዝዓበዶ
ንገሩኒ እቲ'ሳ ትኸዶ
ኣቱም ሰበይ...
ኪዱ እንዶ ሕቶቱ ልኣኹለይ ለባም
ዝረትዕ ሞጊቱ
ንገርዎም ኩሉ ኣነ ዝኾንክዎ ኹሉ
ፍረ መሰረቱ
ኣቱም ስድራ ጎበዝ ሓሚምና
ኣቱም ስድራ ጎበዝ ሓሚምና
ፈውሲ'ላ ምሳኹም ሃቡና
ዓይኒ ርግቢ
ፈውሲ ልቢ
ቁሊሕ ክብል ዓይና ዓይኒ ርግቢ
መሸከላ ውጽኢት ጸራቢ
ኣፍ ከፊቱ ተድመጸ ልሳና
ከቢድወን ኣእዛነይ ዝደና
ትረግጽዮ ክደሊ ምዓለይ
ከም ጽላሎትኪ ዘይንፋላለይ
ብሰሪኺ ግራተይ ቃደረ
ክረምቲ ሓሊፉ ብዘይ ፍረ
ጉስነተይ ገዲፈ ጥሪተይ
ዛግራተይ ገዲፈ ነዊተይ
ኣሰርክኒ እግረይ ተሓለኸ
ሰብ መሲልክኒ መልኣኽ ዓሪኸ
ፈውሲ ልቢ መድሃኒተይ ኣይትህደሚ
ንዒ ኣብ ውሽጠይ ተኾደሚ
ከንጽፈልኪ ቀይሕ ሃሪ
ማእሲ ፍቕሪ ክህበኪ'የ ሕሉፍ ክብሪ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ
ሰሪ ፍቕሪ ምሒር ተሻቒለ
ዘርጊ ዓዲ ሽመይ ተበለለ
ነዛ ልበይ ኣብ ርእሰይ ሰቒለ
ሰብ ኮይነ ነብሰይ ቦቒለ
ዓሻ መሰል ልቡ ዝኸበዶ
ጏህሪ ፍቕሪ ጅማቱ ዘንደዶ
ሽኩሽኳ እግሩ ዝዓበዶ
ንገሩኒ እቲ'ሳ ትኸዶ
ኣቱም ሰበይ...
ኪዱ እንዶ ሕቶቱ ልኣኹለይ ለባም
ዝረትዕ ሞጊቱ
ንገርዎም ኩሉ ኣነ ዝኾንክዎ ኹሉ
ፍረ መሰረቱ
ኣቱም ስድራ ጎበዝ ሓሚምና
ኣቱም ስድራ ጎበዝ ሓሚምና
ፈውሲ'ላ ምሳኹም ሃቡና
ዓይኒ ርግቢ
ፈውሲ ልቢ
ቁሊሕ ክብል ዓይና ዓይኒ ርግቢ
መሸከላ ውጽኢት ጸራቢ
ኣፍ ከፊቱ ተድመጸ ልሳና
ከቢድወን ኣእዛነይ ዝደና
ትረግጽዮ ክደሊ ምዓለይ
ከም ጽላሎትኪ ዘይንፋላለይ
ብሰሪኺ ግራተይ ቃደረ
ክረምቲ ሓሊፉ ብዘይ ፍረ
ጉስነተይ ገዲፈ ጥሪተይ
ዛግራተይ ገዲፈ ነዊተይ
ኣሰርክኒ እግረይ ተሓለኸ
ሰብ መሲልክኒ መልኣኽ ዓሪኸ
ፈውሲ ልቢ መድሃኒተይ ኣይትህደሚ
ንዒ ኣብ ውሽጠይ ተኾደሚ
ከንጽፈልኪ ቀይሕ ሃሪ
ማእሲ ፍቕሪ ክህበኪ'የ ሕሉፍ ክብሪ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ
ጉስነት ገዲፈ ወንጭፈይ ጥሪተይ
ግራተይ ገዲፈ ኣርዑተይ ነዊተይ
ካብ መቕርብ ርሒቐ ካብ ኩሎም ብጾተይ
ወጊሑ ክዓርብ ኣብ ኣሰር ክተተይ
ንዓኺ ክደሊ ተበልዓ ሸዊተይ ተዘርዓ ጥሪተይ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ
ጉስነት ገዲፈ ወንጭፈይ ጥሪተይ
ግራተይ ገዲፈ ኣርዑተይ ነዊተይ
ካብ መቕርብ ርሒቐ ካብ ኩሎም ብጾተይ
ወጊሑ ክዓርብ ኣብ ኣሰር ክተተይ
ንዓኺ ክደሊ ተበልዓ ሸዊተይ ተዘርዓ ጥሪተይ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ
ፈውሲ ልቢ ሰበይ
ዙረት መትኒ ደመይ
ዘይትመጺ ከመይ
ናፊቑኪ ዓይነይ